ክፍሊ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብን ስፖርትን

ራኢ

ንባህላዊ፡ ስነጥበባዊ፡ ተፈጥሮኣዊን ታሪካዊን ጸጋታት ሃገርና ዝግደስን ዝፈቱን፡ ዘበልጽግን ዝሕብሕብን ንጡፍ ሕብረተሰብ ብምህናጽ፡ ባህልና ናብ’ቲ ንቡር ምምላስ። ንቡርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ፦

ተልእኮን ዕላማን

ናይ ህዝብታትና ሃብታም ባህልታት፡ ክብርታትን ጸጋታትን ናብ ንቡር ምምላስን ምዕቃብን፡ ከምኡእውን ናብ መጻኢ ወለዶ ምስግጋርን እዩ። ነዚ ሽቶ ንምውቃዕ ካኣ ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረትሰብና ባህሊ፡ ልምድን ሕግን ዝፈልጡ ዓበይቲ ዓድን ምሁራትን ብምዕዳምን ሰነዳት ብምውካስን መደባት ብምስራዕ ናብ ህዝቢ ምቕራብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ስነጥበባውያን ንኽውደቡ ብምሕጋዝ ናይ ቃልሲ ወኒ ዘበራብሩ ባህላዊን ስነጥበባዊን ምህዞታት ብምፍጣር፡ ህዝቢ ናይ ቃልሱን ሓድነቱን መንፈስ ዝያዳ ዝሕይሉ ስራሓት ንክሰርሑ ምትብባዕ። ኣባል ከተማታት ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት ጋንታታት ንኸቑማ ምሕጋዝ፡ ናይ ስነ-ጥበብ፡ ሓፈሻዊ ፍልጠትን ስፖርትን ውድድራት ምውህሃድን።

ክብረታት ክፍሊ ባህሊ ስነጥበብን ስፖርትን

ክፍሊ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብን ስፖርትን መሪሕ ስነምግባራዊ ክብሪታቱ ኣብዘን ዝስዕባ ክቡር ባህልን ያታን ልምድታትን ህዝቢ ኤርትራ ይምስረት – ቅንዕና፡ ምትሕግጋዝ፡ ምክብባር፡ መሃዝነት፡ ምምህሃር፡ ፍቕሪ ህዝቢ።

ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!!

ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም: culture.sport@baytoyiakl.org