ክፍሊ ሕግን ስትራተጂያ ውጥንን

ክፍሊ ሕግን ስትራተጂያ ውጥንን ባይቶ ይኣኽል ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ክፍልታት ናይዚ ትካል እዩ። ናይዚ ክፍሊ ሓላፍነታት ሰፋሕትን ብዙሓትን እዮም። ካብቶም ዝብዙሓት እዞም ዝስዕቡ ክጥቐሱ ይኸኣል፥

  • ምርምርን ምዕባለን ስትራተጂኣዊ ውጥን ባይቶ
  • ሕጋዊ ጉዳያት ብዝምልከት ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መምርሕታት ንባይቶ ምቕራብ
  • ምርቃቕ ዓንዲ ሕጊ፡ መነባበሪ ሕጊ ኣባላት ባይቶ፡ ከምኡውን መመሓየሺ ሕግታትን
  • ባይቶ ደልዲሉ ቁይሙ ስርሑ ምእንቲ ከሰላስል፡ ብዕቱብነት መደባትን እማመታትን ብሓፈሻዊ ባይቶ ክጸድቑ የቕርብ።
  • ባይቶ ኣብ ዓንዲ ሕጉን ማኔፈስቶታቱን ዘቐመጦም ራእያት፡ ተልእኾታት፡ ክብርታትን ዕላማታትን ንምዕዋት ዘኽእልዎ ካልኦት ስትራተጂያዊ ውጥናት ምድላው።

ስትራተጂያዉ ዕላማታት ክፍሊ

ክፍሊ ሕጊን ስትራተጂያዊ ውጥንን ባይቶ ይኣኽል ካብቶም ኣብዚ ዝስዕብ ገለ ኣዋርሕ ከዐውቶም ዝውጥኖም ብዙሓት ዕላማታት ነዞም ዝስዕቡ ምጥቓስ ይኸኣል።

  • ንናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ዘገልግል፡ ብዓንዲ ሕጊ ዝመሓደር፡ ንዅሉ ዝሓቝፍ፣ ብዝግባእ ዝተቃቐረ ባይቶ ምውሓስ።
  • ኵሉ ንጥፈታት ባይቶ ምስ ሕጊታት ባይቶን ሕጊ ናይቲ ባይቶ ዝዓየሉ ሃገር ከም ዝምእዘዝ ምርግጋጽ።
  • ምስ ካልኦት ክፍልታት ብምትሕብባር፡ ህዝቢ ኣብ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣበርክቶኡ ንኸሐይል ምንቕቃሕ። ተሳትፎ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ምእንቲ ክረጋገጽ ህዝቢ ምትብባዕ።
  • ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሳያት ዝቖመሉ መሓውራት ምልላይ፡ ንምንቃሉ ድማ ምስራሕ። ነቲ ስርዓት ኣብ ኵሉ ቀጸላታት ብስትራተጂያዊ መገዲ ምብዳህ።
  • ዓመታዊ ስትራተጂያዊ ውጥን ናይ ትካል ምምዕባል። እዚ ክፍሊ እዚ ዓመታዊ ስትራተጂታት ናይዘን ዝስዕባ ቦታታት የማዕብል፥
    • ስትራተጂ ሜድያ
    • ስትራተጂ ግብራዊ መደብ
    • ስትራተጂ ዲፕሎማሲ
    • ዓመታዊ ባጀት
    • ዓንዲ ሕጊ ትካል ብዝምልከት ድላዪ ዝበሃል ምምሕያስ ዝካየደሉ መስርሕ ምምራሕ።
  • ብቁዓት መራሕቲ ዝልለይሉ፡ ኣፍልጦ ዝረኽብሉን ዝሕይልሉን መድረኽ ምድላው።
  • ብሰንኪ ተግባራት እቲ ዲክታቶርያዊ ስርሓት ኣብ ኤርትራ ዝወረደ ዕንወት ዝጽብጽብ ሳንሳዊ መጽናዕቶ ክግበር ደገፍ ምሃብ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ብናይ ኢሜል ኣድራሻና ርኸቡና፥ bylaws.strategy@baytoyiakl.org