ክፍሊ ሕሳብ (Finance)

ክፍሊ ሕሳብ፡ ጨንፈር ናይ ትካል ባይቶ ይኣክል’ዩ። ክፍሊ ሕሳብ፡ ምሕደራ ሕሳብን፡ ኣተሓሕዛ ንብረት ናይዚ ምንቕስቓስን ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ክፍሊ፡ ብምምሕዳር ዓመታዊ  ስሎዖ፡ ናይ ባይቶ ገንዘብ ይቖጻጸር። ብተወሳኺ፡ እዚ ክፍሊ፡ ኩሉ ናይ ባይቶ ሕሳብ ሸመታ ይቖጻጸር፡ ከምኡዉን  ግሉጽነት ኣብ ናይ ንብረት ስሎዖ ቑጽጽር፡ ምምዝጋብ፡  ከምኡዉን ኣብ ርብዒ ዓመት ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ምግባር፡ ቃል ይኣቱ ።

ስልታዊ ዕላማ ክፍሊ

ምእንቲ፡ ናይ እዚ ባይቶ፡ ራኢ፡ ተልእኾ፡ ክብርታትን ሸቶታትን፡ ኣብቲ ዓንዲ ሕጊ ዝተቐመጡ ክከናወን፡ ዕላማ ክፍሊ ሕሳብ፡ ምዕባይ ሃብቲ፡ ስሎዖ ንምድጋፍ ትካል ባይቶ ይኣክልዩ፡፡

ክፍሊ ሕሳብ ባይቶ ይኣክል፤ ብዝለዓለ ግሉጽነት፡ ሓላፍነት ከምኡዉን ተሓታትነት ንርእሱ ይሕሉ።

እዚ ክፍሊ፡ ሕጋዊ ወፈያ ከም ኡዉን ኣስተዋጽኦ ካብዞም ዝስዕቡ ይደሊ፡

  • ኣባላት ባይቶ ይኣክል ዝኾኑን፡ ዘይኮኑን ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምሪካን፡ ዓለምለኸን
  • ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ትካላትን ፡ ገበርቲ ሰናይ ባእታታትን ትካላትን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምሪካን፡ ዓለምለኸን
  • ናይ እምነት ትካላት
  • ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ከምኡዉን የዕሩኽ/ ፈተውቲ ኤርትራ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምሪካን፡ ዓለምለኸን
  • ባህታዊ ምዝንጋዕ ብምክያድ፡ ኣቑሑ ብምሻጥ፡ GoFundMe ብምዉዳድ፡ ብመተኣማመኒ ገንዘብ (Trust fund) ዝተኣከበ ገንዘብን ወዘተ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኢምይል finance.treasure@baytoyiakl.org ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።