ቀዳማይ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ጋዜጣዊ መግለጺ

ባይቶ ይኣክል ሕ.መ.ኣ                  BAYTO YIAKL USA                  مجلس كفایة الولايات المتحدة 

ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ውሁድ ስራሕ ንውሑስ መጻኢ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል፡ ብ25ን 26ን መስከረም 2020 ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላኡ ብዓወት ኣቃኒዑ፡፡

 ባይቶ፡ ኣብቲ ብማንዛዊ መልክዕን ብፈይስ ቡክን(Facebook) ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ዋዕላ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ዝተኻየደ ንጥፈታትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ብደቒቕ ብምግምጋምን ናይ መጻኢ መደባቱ ብምቅያስን፡ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት ንባይቶ ትመርሕ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ኣካል መሪጹ። ባይቶ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን፡ እምቢ ንምልኪ፣ ይኣክል ምፍልላይ፣ ይኣክል ስቕታ ኢሉ ዝጀመረ ህዝባዊ ማዕበል፡ ኣብ ጉዕዙኡ ንዘጓነፍዎዎ ብዙሓት መሰናኽላት ሰጊሩ ዘተባብዕ ንጥፈታታ ብምስልሳል ቀጻልነቱ ኣረጋጊጹ።

  ንባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብግስ ክብል ዘጋጠሞ ተጻብኦን ንምድኻሙ ዝተኻየዶ እኩይ ወፈራን ድማ   እቲ ጥርናፈ፡ ውዳበን ስኒትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ዘርዕዶንን ንስልጣኑ ከም ዓቢ ስግኣት ዝቆጽሮን፡ ጉጅለ ህግደፍ ከምዝነበረ ኣብቲ ዋዕላ ተነጺሩ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ንምግታእን ንምጽላምን፡ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ንምሕባእን ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ናይ ኣውራጃታት ምትእኽኻብ ከምዝኾነን ብስርዓት ወያነ ከምዝምወልን ፍሹል ኣነዋሪ ጸዕርታት ኣካይዱን ገና ይቅጽል ኣሎን፡፡ ይኹን እምበር ካብ ምድንጋርን ዕንደራን ብድዐን ጉጅለ ህግደፍ፣ ህዝባዊ ዕላማን ደገፍን ዘለዎ ማዕበል ህዝቢ ስለዝሕይል፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓሱሳቱ ብምውፋር ዘካየዶ ተጻብኦታት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ መስርሕ ዘጋጥም ሓጎጽጎጽን እናበድሀ፡ ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጡ ቅርጡው ኣወዳድባን ኣድማዒ ንጥፈታትን ከካይድ ህሉው መድረኽ ከምዝጠልቦ ባይቶ ተገንዚቡ ። ኣብዚ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ ሃገርናን ህዝብናን ናይ ምድሓን ሃገራዊ ዕማም ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ እጃሙ ከበርክት ከምዝግባእ ጽኑዕ እምንቶ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ።

ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ካብቲ ዘኹርዕ ንጥፈታት ዝካየዶ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይርስ ንምክልኻልን መግቢ፡ መሸፈኒ ማስክ ኣቁሑት ንጽህናን መዕቆሪ ማይን ንምዕዳልን ኣፍልጦ ህዝቢ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ንምዕባይን ምስ ካልኦት ኣሓት ባይቶታትን ዘይመንግስታውያን ግብረሰናይ ማሕበራትን ብምልፋንን ብምውህሃድን፡ ነቲ ብሰንኪ ኣዕናዊ ሜላታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ህዝብና ዝውዕል ልዕሊ $800 ሽሕ ዶላር ክእክብ ከምዝኸኣለ ጸብጻብ ሓይሊ ዕማም ናይቲ ስራሕ ኣመልኪቱ።

ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓራዲ ህዝብናን ሸያጢ መሬትናን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እንከሎ፡ ብዘይመሰረታዊ ጉዳያትን ብኻልኣይ ደረጃ ክፍታሕ ዝግቦኦን ዛዕባታት፡ ወርቃዊ ግዜን ዕድላትን ምጥፋእን ሓድሕድ ምስሕሓብን፡ ዕሽነት እምበር ልቦናን ሓልዮትን ከምዘይኮን ይኣምን፡፡ ስለዝኾነ “ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ወይ ተቃወምቲ ጉጅለ ህግደፍ” ብዝብል ስም ንነጥፍ ዘለና ኤርትራውያን ድማ፡ ኣማን ብኣማን ብቃንዛ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዝንን ንሓስብን እንተዄይና፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ለይትን መዓልትን ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝመጣጠን ኣወዳድባን ተግባርን ክህሉ ኣለዎ።

ኤርትራዉያን ንናጽነትናን መንነትናን ልዕሊ ሰብና ዋጋ ከፊልናን ሓሳረ መከራ ተጻዊርናን ክንስና ብኣዕናዊ ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ ህዝብና ክበታተን፡ ብድኽነትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እናተሳቐየ፡ ክንፈላለን ብስቕታ ክንዕዘብን ድማ፡ ብዘይካ ሕድሪ ስውኣትና ምጥላምን ምርሳዕን ካልእ መግለጺ ዝወሃቦ ኣይኮነን።

እቲ ብሰይጣናዊ ተግባራቱን ጥልመቱን ካብ ህዝቢ ኤርትራ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ድማ፡ ዋላ’ኳ ብሃብቲ ህዝቢ ኤርትራን ናጻ ጉልበት መንእሰያትን፡ ኣብ ስለያዊ ትካላት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዲፕሎማስያዊ  መዳያትን ግዝያዊ ፈንጠርጠር  እንተለዎ፡ ብቀንዱ ግን ኣብ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ፍልልያትን ቀዳምነታት ዘይምንጻርን ይነብር ከምዘሎ ኣብ ዋዕላ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣነጺሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንኹልና ኤርትራውያን ዝጽበየና ዘሎ ህጹጽ ዕማም ድማ ኣጽናቲ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ንምግታእን ህዝብና ንምድሓንን ካብ ዘረባ ዝሓልፍ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ምንቅስቃስ ደለይቲ ፍትሒ ድማ እምነቱን ሕመረቱን ኣብ ህዝቡ ክኸውንን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ዓለም ንኽትፈልጦን ንጉጅለ ህግደፍ ክትንጽሎን  ጥርናፈን ስጥመትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣዝዩ ኣገዳስን እምነ ኩርናዕ ዓወት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

 ሕቶ ሓድነትን ብሓባር ምስራሕን ምጽውዋርን ኣገዳሲ ስለዝኾነ፣ ኩሎም ኤርትራውያን ነቲ በብከተምኡ ቆይሙ ዘሎ ህዝባዊ ባይቶታት ይኣክል ብምድልዳል፣ ብሃገርን ዓለምለኸን ደረጃ ብምጥርናፍ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምውሓስን፣ ጽፉፍ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ንምዕዋትን ብንጡፍ ክሳተፉ ቀዳማይ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕ.መ.ኣመሪካ ጸዊዑ።   ብህላወ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብልኡላውነትናን መንነትናን መጻኢናን ንግደስ ኢና ዝብሉ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን፣ ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብምትሕብባር፣  ክእለቶምን ገንዘቦምን፣ ግዜኦምን ፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበታትንን፡ ዝጭፍጭፍን፡ ሃገር ዝሸይጥን ዘሎ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ንምጽራግ ሳቦያ ኢሉ ክሰርሑ ጸዊዑ።

ኣብቲ ዋዕላ ናይ ዝተፈላለያ ከተማታትን ሃገራትን ባይቶታት ይኣክል ወከልትን፣ ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ናይ ምሁራትን፡ ስነጥበባውያን ትካላትን፣ ናይ ህቡባት ስነጥበባውያንን ጸሓፍትን  ናይ  ምትብባዕን ደገፍን መደረታትን መልእኽታትን ቀሪቡ።

ኣዋሃሃዲትን ኣምራጺትን  ኣካላት ቀዳማይ ዋዕላ

ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

27 መስከረም 2020