ስትራተጂካዊ ውጥን ሓይሊ ዕማም ዘተን ዕርቅን

ራኢ

ሓንቲ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ስልጥንትን ዲሞክራስያዊትን ዜጋታታ ድማ ኩሎም ብዘይ ኣፈላላይ

መሰሎም ተሓልዪ ብ ምሉእ ናጽነትን ማዕርነትን ፍትሒን ዝነብሩላ ምምሕዳራ ድማ ቅዋማዊ ዝኾነት ኤርትራ ንምህናጽን ምዕቃብን እዩ።

ተልእኾ

ኣብ ሓቅንት፡ ምጽውዋር፡ ይቅረ ምብህሃል፡ ዕርቂን ዘተን ንኣምን። ንኹሎም ኣካኣት ደልይቲ ፍትሒ ኣሳቲፍካ ብሓድነት ዕድመ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምኽታም ብተወፋይነት ምስራሕን ድምጺ ውጽዓት ዜጋታትና ምዃንን፡ ብዓብይኡ ድማ ራኢ ብልጽግትን፡ ዲሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ኤርትራ ኵን ንምግባር ምቅላስ።

ክብርታት

እዚ ሓይሊ ዕማም በዞም ኣብ ንራኢና ኵን ንምግባር እንገብሮ ቃልሲ ዓቢ ኣገዳስነትን ተራን ዘለዎም ዓስርተ(፲) ክብርታት ኣሚኑን ተመሪሑን ይኸይድ፡፡ ሓቅነት፡ ዘይሻራውነት፡ ብዙሕነት፡ ተሓታትነት፡ ሓላፍነት፡ ሕድገት፡ ምሉእነት፡ ቅንዕና፡ ምጽውዋር፡ ኣኽብሮት

ስትራተጅካዊ ተበግሶታት፨ዕላማታት

  • ንኣብ ውሽጥን ውጻኢን ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታትን ምንቃሕን ምጽላውን፡ ምልካዊን ጨቛኒን ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጥሮ ምራላዊ ዕንወት ንምፍዋስን ሃገራዊንትን ርእሰ ተኣምመንነትን ህዝብና ንምምላስ ብተወፋይነት ምስራሕ
  • ኣብ ሕብረተሰብና ዘልዉ ፍልልያት ጠንቆም ምልላይን ንምፍትሖም ምስ ጸልውቲ ሰባት መራሕቲ ሃይማኖትን ሞይውያን ብሓባር ንምስራሕ።
  • ን ኣብ ኣሜሪካ ዘለው ንፍትሒ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ኣካልት ቻርተሮምን መምርሒታቶም ብጥንቃቀ ብምጽናዕ ኣብቶም ናይ ሓባር ዕላማታት ብምቱዃር ሓድነትዊ ምንቅስቃስ ብምፍጣር ንቀንዲ ጸላኢና  ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምድኽእምን ምስዓርን ራኢና ኵን ምግባር።
  • ንኹሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቢካዊ ማሕበራትን ናይ ዘተን ዕርቅን ባይታ ብምድላው ሓደ ህዝባዊ ናይ ፍትሒ ምንቅስቃስ ምፍጣር።
  • ሙልእነትን ተልእኾን ባይቶ ይኣክል ስሜን ኣሜሪካ ንምዕቃብን ኣብ ውሽጢ ባይቶ ዝፍጠር ፍልልያትን ሽግራትን ብቕንዕናን ዘይሻራዊን ኣገባብ ብ ዘተን ዕርቅን ምፍታሕ።
  • ብዛዕባ ፖለቲካዊን ሃገራዊን ዘተን ዕርቂን ሕድገትን ጽሑፋት ብምንባብን ካብ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ብምምሃርን ንዓና ከም ህዝብን ሃገርን ክጥቅሙና ዝኽእሉ ኣገደስቲ መደባት ምውጻእን ምትግባርን ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኩሎም ተመሳሳሊ ራኢ ድሞክራስያዊት ኤርትራ ዘለዎም ዝተፈላላዩ  ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ናይ ሰላም፡ ሕደገት፡ ዕርቂን ይቕረ ምብህሃልን መንፈስ             ንኽህልዎም ባይታ ምጥጣሕ።