ስትራተጂካዊ/ስልታዊ ውጥን ኮሚተ ተሓላቕነትን ዝምድናታትን

ራኢ

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ምስ ካልኦት ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ዝምድና ምፍጣርን ከምኡ ውን ሓቀኛ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ንማሕበረሰብ ዓለም ምርኣይን፣ ብስም እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኸኣ ስለ ኹሉ ጉዳያት ኤርትራን ኤርትራውያንን ምጥባቕ።

ተልእኾ 

  • ንኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡ ተቐባልነት ክሳዕ ዝረክብ፡ ንምስሊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ምንጻርን ምህናጽን።
  • ንዝተፈላለየ ጉዳያት እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተበደለ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ንናይ መጻኢ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገረ ኤርትራን ምጥባቕ።
  • ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ምስ ካልኦት ህዝባውያን ምንቅስቃሳትን ባይቶታት ይኣክልን ናብ ምድግጋፍን ሓድነትን ዝመርሕ ርክብን ዝምድናን ክፈጥር ምግባር።
  • ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ፖለቲካውያንን ዘይፖለትካውያንን ማሕበራት ብምርኻብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምፍጣርን ንቀጻሊ ብሓደ ንሰርሓሉ መንገድታት ምንዳይን

 ክብርታት

እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም መሰረታውያን ኣብ ስራሕ ሓይሊ ዕማም ተሓላቕነትን ዝምድናታትን ክንጸባረቑ ዘለዎም ክብርታት እዮም፥

ሓቅነት፡ ፍትሓውነት፡ ግሉጽነት፡ ብዙሕነት፡ ምክብባር፡ ምጽውዋር፡ ሕድገት፡ ሓላፍነት፡ ተሓታትነት፡ ተወፋይነት፡ ምትብባዕን ምትሕይያልን፡ ምቅብባል፡ ምውርራስ

 ስትራተጂ/ስልቲ

ንራእን ዕላማታትን እዚ ሓይሊ ዕማም ንምዕዋት እዞም ዝስዕቡ ስትራተጂካውያን መንገድታት ምጥቃም ከድሊ እዩ። 

  • ናብ ዝተፈላለዩ ኤምባሲታትን ወከልቲ ሃገራትን ምብጻሕን ዝምድናታትን ምግባር።
  • ብዛዕባ ተሓላቕነትን ዝምድናታትን ኣብ ዘገድሱ ከባብያውን ዓለም ለኻውን ኮንፈረንሳትን ሰሚናራትን ምስታፍን ንውጺኢታቶም ምክትታልን።
  • ኣብ ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገራት ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወዳደሩ ሰባት ብዛዕባ ኤርትራ ኣተኩሮ ክገብሩ ኣብ ጎስጋሳቶም ምስታፍ።
  • ዓለም ለኻውያን ጸሓፍትን ተመራመርትን ዲፕሎማሰኛታትን ምርካብን ዝምድናታት ምፍጣርን።
  • ምስ ስራሕ ተሓላቕነትን ዝምድናታትን ዝሰርሑ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ተቓለስቲ ርክባትን ዝምድናታትን ምፍጣር።
  • ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዮ ኤርትራውያን ንዕላማ ኮሚተ ተሓላቕነትን ዝምድናታትን ኣዕጢቕካ ናብ ስራሕ ምኽታት።
  • ንጉዳይ ኤርትራ ብልክዕ ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ጽሑፋት ምፍራይን ምዝርጋሕን።
  • ንመራኸቢ ብዙሃን ብፍላይ ከኣ ንትዊተር ከም ዲፕሎማሲያዊ ኣጽዋር ምጥቃም።
  • ምስ ኣገደስቲ ባእታታት ሰሚናራትን ተለኮንፈረንሳትን ምስራዕ።
  • ምስ ዝተወደቡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝባውያን ኤርራውያን ምንቅስቓሳት ይኣክል ርክባት ምፍጣርን ንናይ ሓባር ስራሕን ራኢን ከኣ ምስራሕ።
  • ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለዓለማትን ሃገራትን ምስ ዝርከባ ህዝባውያን ባይቶታትን ምንቅስቃሳትን ርክባት ምግባር።
  • ራእይን ተልእኾን ዝተፈላለዩ ህዝባውያን ባይቶታትን ምንቅስቃሳትን ይኣክል ምጽናዕን ምስ ራእይን ተልእኾን ባይቶና ምንጽጻርን
  • ምስ ካልኦት ባይቶታትን ምንቅስቃሳትን ይኣክል አንተሓጋገዘሎም ባይታታት ምልላይን ንምትሕግጋዝ ቅርቡነትካ ንኹሉ ምፍላጥን
  • ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቅመጡ ደለይቲ ፍትሒ ኣገዳስነት ምጥርናፍ ኣብ ትሕቲ ጽላል ባይቶታት ይኣክል ምርኣይን ጥርናፈ ክገብሩ ምትብባዕን
  • ጽላል ባይቶታት ይኣክል ብደረጃ ኣብ ወጻኢ ንኽትከል ዝደልዩ ኤርትራውያን ባይቶታትን ምንቅስቃሳትን ምልላይን ንምዕዋቱ ምስኦም ምስራሕን
  • ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ጎረባብቲ ሃገራትን ዘልዉ ናይ ደለይቲ ፍትሒን ናይ ይኣክል ምንቅስቃሳትን ብሓባር ዘስርሕ ዝምድናታት ምግባር