መድያን ሓበሬታን

ራኢ:

ብመራኸቢ ብዙሓን ጌርካ ነቲ ሓበሬታ ተሓሪምዎ ዘሎ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝብና፡ ቅኑዕን፣እዋናውን፣ወድዓውን ዜናታት፡ምምሕልላፍ፡ እቲ መሳርሒ ከም ኣብነት፡(ፈይስቡክ፣ዩቱብ፣ትዊተር፣ ሬድዮን፣ተለቪዥን ምቕራብ።

ነቲ ንሃገርና ናብ ፍጹም ውድቀትን ብርሰትን ዘምርሓ ደመኛ ጸላኢ ስርዓት ኢሰያስ ኣሊኻ፤ ነጻ፣ ንህዝባ ብማዕርነት ኣኽቢራ ውሑስ መጻኢ ዜጋታታ እተውሕስ ፤ ብ ሕጊን ዲሞክራሲን እትመሓደር ሃገር ምምስራት።

 

ተልእኾ:

ንጥፈታት ባይቶ ይኣክል ንህዝቢ ምሕባር፡ ሽርሕታት ስርዓት ህግደፍ እናኣቓላዕካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ዘሎ ህዝብና ቃልሱ ኣንጻር ስርዓት እሰያስ ከም ዝሕይል ምግባር ፡፡ መግለጺታት ብምውጻእ ድዩ ቃለመጠይቃት ብምግባር መርገጺ ባይቶ ይኣክል ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እንታይ ምዃኑ ይሕብር