ሓይሊ ዕማም ጎስጓስን ውደባን

ሓይሊ ዕማም ጎስጓስን ውደባን እቲ ዝዓበየን ኣገዳስን ሓይሊ ዕማም ባይቶ ይኣክል ሕ፨መ፨ኣመሪካ እዩ ፡፡ እዚ ሓይሊ ዕማም እዚ ኣብ  ሕ.መ.ኣ ዝነብር ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል በብከተማኡ ተወዲቡ ብንቅሓትን ምስትውዓልን  ኣንጻር ስርዓት እሰያስ ንኽቓለስ ጻዕርታት የካይድ፡፡ ከምኡ’ውን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት እሰያስ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብዑቱብ ብምምክትታል ዘድሊ ሓገዝ ንኽገብር ይጉስግስ ፡፡

ሓይሊ ዕማም ጎስጓስን ውደባን  ክሃርሞ ወጢንዎ ዘሎ ዕላማታት

  • ኣብ ባይቶ ይኣክል ዘይተወከላ ከተማታት ኣለሊኻ ናይ ይኣክል ጥርናፈ ክህለውን ብምትብባዕ ወከልቲ ከምዝመርጻ ምግባር ከምኡ’ውን ኣብ ባይቶ ተወኪለን ዘለዋ ከተማታት ከምቲ ዝድለ ንጥፈታት የካይዳ ምህላወን ምክትታል
  • ማሕበራዊ መራኸቢታትን ማዕከናት ዜና ብግቡእ እናተጠቀምና ተቀባልነት ባይቶ ይኣክል ንኽዓቢ ምጽዓር
  • ምኩራትን ክኢላታት ኤርትራውያንን ንቓልስና ንቅድሚት ክደፍኡ ዝኽእሉ ኣሰተምህሮታት ንኽህቡ ምትብባዕን ምዕዳምን
  • ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ናይ ይኣክል ምንቅስቃሳት ንኽምስርቱ ጻዕርታት ምክያድ
  • ተመስሪተን ዘለዋ ጥርናፌታት ናይ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ምሁራትን ንኽዓብያ ቀጻልነት ንኽህልወንን ጻዕርታት ምክያድ
  • ክፉት ዘተ ምስ ኣብ ሕ/መ/ኣመሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብምክያድ ባይቶ ይኣክል ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ምግላጽን ርኢቶን ሕቶን ለበዋን ህዝቢ ምቅባልን

 

ከም ኣባላት  ባይቶ ይኣክል ሕ/መ/ኣ ነዚ ዝስዕብ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ክንሰርሕ ይግብኣና

  1. ኣብ ከተማና ዘለው ደለይቲ ፍትሒ ክንፈልጦም ንጽዓር፡ ቴሌፎን ብምድዋል ድዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት (ፋቸቦኦክ፣ ውሃትሳፕፕ ኣንድ ትዊትተር) ብምጥቃም ርክብና ምስ ኣብ ከተማና ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ ፡፡
  1. ኣብ ከተማና ዝርከቡ ምሁራት ወይ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ኤርትራውያን ብዛዕባ እተን ቆይመን ዘለዋ ሓይሊ ዕማማት ንግለጸሎም ኣብርክትኦም ከዕብዩ ክኣ ነተባብዓዮም
  1. ኣብ ከተማና ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ይኹኑ ካልኦት ጸለውቲ ሰባት ህዝቢ ኣብ ምንቅቃሕን ሓቢሩ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክሰርሕ ከተባብዑ ነዘኻኽሮም
  1. ኣብ ከተማና ቀጻሊ ኣኼባታት ብምግባር ድዩ ካልእ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ብዛዕባ ንጥፈታት ባይቶ ይኣክል ንህዝብና ንገለጽ፡ ካብ ህዝቢ ዝመጻና ሕቶታት ብግቡእ ንመልሶ ነቲ ዝወሃበና ርኢቶ ክኣ ክንጥቀመሉ ንፈትን

 

  1. ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝርከቡ ቤቴሰብናን ኣዕሩኽትናን ፈለጥናን ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ተጸንቢሮም ኣንጻር ስርዓት እሰያስ ክቃለሱ ነተባብዓዮም

 

  1. ኣብ ከተማና ዝርክባ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት፡ ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ከምኡ’ውን ምሁራትን ሰብ ሞያን ምስተን ተመስሪተን ዘለዋ ጥርናፈታት ርክባት ክጅምሩ’ውን ንሓብሮም